Jobb

Utbildning

För arbetsgivare

SFI

Webbutik

Stöd och matchning - Tigrinya

ደለይቲ-ስራሕ ምስ እትኾኑ፡ ስራሕ ክትረኽቡ ትደልዩ’ዶ?

  • ምስ ሰራሕተኛታት ዝደልዩ ኣስራሕቲ፡ ክትራኸቡ ትደልዩ ዲኹም?
  • ምስ ሽቕለት-ኣልቦነት ክትፋትሑ ትደልዩ ዲኹም?
  • ናባና ናብ ሄርሙድስ ምጹ እሞ ምስ ዝሰማማዓኩም ስራሕ ክንቆርነኩም ኢና!

ንሕና፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ ብዝወሰድናዮ ዕዮ-ገዛ ’’ድጋፍን ምስ ስራሕ ምቚራንን”(Stöd och Matchning) ዝተሰምየ ኣገልግሎት ንህብ ኢና። ሕመረት ናይዚ ኣገልግሎት ከኣ፡ ስራሕ ናይ ምቊጻር ዘለኩም ዕድላት ምርጓድ እዩ። ኣብ ሄርሙድስ፡ ምስቲ ናይ መጻኢ ኣስራሒኹም ብቐጥታ ከራኽበኩም ዝኽእል፡ ብቑዕ ኣገባብ ኣለና።

ነዚ ዝስዕብ ሓገዛት ንገብረልኩም:

  • ሰቨን ድጋፍ ሴቨ ክትጽሕፉን ጽሑፍ ምስ ዝህልወኩም ውን ከተማዕብሉን ንሕግዘኩም።
  • ዓቕምኹምን ፍልጠትኩምን ኣብ ምንጻር ንሕግዘኩም።
  • መስርሕ ምድላይ-ስራሕ (ደብዳቤ መመልከቲ-ስራሕ ከመይ ትጽሕፍን ናይ ኢንተርቪው ልምምድ ምግባርን) ብዝምልከት ኣንፈታዊ ድጋፍ ንገብረልኩም።
  • ንሞያን ትምህርትን ዝምልከት ምኽሪ ንልግሰልኩም።
  • ነቲ ዓጢቕኩሞ ዘለኹም ሞያ ምስ ዝደልያ ትካላት ነቋርነኩም። ወይ ውን ደስ ዝብለኩም ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልኩም ምስ ዘዕቢ ትምህርቲ ንቆርነኩም።
  • ተቋደስቲ ናይቲ ምስ ኣብ ምሉእ ሽወደን ዘለዉ ኣስራሕቲ ዘለና ናይ ርኽክብ ኔት-ዎርክ ትኾኑ።
  • ልምምድ-ስራሕ ናይ ምክያድ ዕድላት ንፈጥረልኩም።
  • ሓድሽ ስራሕ እትረኽበሉ መስኖታት ምጽናዕን ምድህሳስን። 
  • ኣብ ገለ ገለ እዋናት ፖፕ-ኣፕ ኢቨንቲ ዝተሰምዩ፡ ኣስራሕትን ደለይቲ ስራሕን ዝራኸብሉ፡ ፈጣን ኢንተርቪው (PopUp-events) ነዳሉ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ፈጣን ኢንተርቪው፡ ኣብ መዓልቱ ዝጅምር ናይ ስራሕ ዕድል ይኸፍት።

ዓመታዊ ብኣማኢት ዝቊጸሩ ሰባት ስራሕ ክረኽቡ ንሕግዞም። ነዓኹም ውን ክንሕግዘኩም ኣፍቕዱልና!

ከምዚ ግበሩ

ቀዳማይ 1:
ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ ተመዝገቡ።

ካልኣይ 2:
ነቲ ኣማጻኢ ስራሕ ናትኩም፡ ብመንገዲ ሄርሙድስ ኣብ Stöd och Matchning ክሳተፍ ደልየ በልዎ።

ሳልሳይ 3:
ምስ ሓጋዚኹም ኣብ ሄርሙድስ ተራኸቡ።

ክሳብ ስራሕ እትረኽቡ፡ ወትሩ ኣብ ጎኒኹም ኣለና!